መዝገበ-ቃላት

_
ጠለብ

ሓደ ጠለብ ጽሑፍ እዩ።
ኣብኡ ሓደ ሰብ ገለ ነገር እዩ ዝልምን።
ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ቤት-ጽሕፈት።
እዚ ውን "be-antrag-en" (ምጥላብ) እዩ ዝብሃል።

 

ናይ ምምካር ጨንፈርናይ ምምካር ጨንፈር

ናይ ምምካር ጨናፍር ሓገዝን ደገፍን እዩ ዘውፊ።
ናይ ኣንስቲ ናይ ምምካር ጨናፍር ነንስቲ እዮም ዝሕግዙ።

ንኣብነት

  • ዓመጽ እንተትምኮሪ።
  • ዓመጽ ብምዃኑ ርግጸኛ ተዘይኮንኪ።

ኣብኡ ጥራይ ኣንስቲ እየን ዝሰርሓ።
ኩለን ኣንስቲ ጽቡቕ ምእንቲ ክስምዐን።

ናይ ስድራ ቤት-ፍርዲ

ሓደ ናይ ስድራ ቤት-ፍርዲ ፍሉይ ቤት-ፍርዲ እዩ።
እቲ ቤት-ፍርዲ ኣብ ሽግራት ስድራ ይሕግዝ።
ንኣብነት ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተዝሃርማ።
ሽዑ ኣብኡ እዩ ዝውሰን፦

  • እቲ ሰብኣይ ኣብታ ሰበይቲ ገና ክቕመጥ ይፍቐደሉ?
  • እቲ ኣቦ ንውላዱ ክበጽሕ ይፍቐደሉ?
ቤት-ኣንስቲ

ኣንስቲ ዓመጽ እንተ ደኣ ተሞኪረን ናብ ቤት-ኣንስቲ ክኸዳ ይኽእላ።
ኣብኡ ውሕስነት ኣለውን።
እቲ ኣድራሻ ስቱር እዩ።
ኣብኡ ጥራይ ኣንስቲ እየን ዝቕመጣ።
ኣብኡ ጥራይ ኣንስቲ እየን ዝሰርሓ።

ዝያዳ ሓበሬታታት ኣብዚ...ክትረኽቢ።

ዓመጽ-መከላኸሊ-ኣምቡላንስ

ኣብዚ ክትምርመሪ ትኽእሊ።
ዓመጽ እንተ ተሞኪርኪ።

ዝያዳ ሓበሬታታት ኣብዚ...ክትረኽቢ።

ዓመጽ-መከላኸሊ-ሕጊ

እቲ ዓመጽ-መከላኸሊ-ሕጊ ንሰባት ክከላኸሎም ኣለዎ።
ሰባት ዓመጽ እንተተሞኪሮም።

መዓስ ምክልኻል ከምትቕበሊ ኣብ ሕጊ ተጻሒፉ።

ከምኡ'ውን እንታይ ምክልኻል ከምትወሃቢ።

እቲ ገባሪ ሽዑ እንታይ ክገብር ከምዘይፍቐደሉ በቲ ፈራዲ እዩ ዝውሰን።

እዚ ውን ክጻሓፍ እዩ።

እቲ ገባሪ ነቲ ጽሑፍ ክቕበል እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታታት ኣብዚ...ክትረኽቢ።

ሆትላይን

ሆትላይን ብልክዕ 'ምምካር ኣብ ተለፎን' ማለት እዩ። ኣብኡ ክትምኸሪ ትኽእሊ።
ዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ክትረኽቢ...

ዝያዳ ሓበሬታታት ኣብዚ...ክትረኽቢ።

ሕጋዊ ምምካር

ሕጋዊ ምምካር ብዛዕባኡ ይመኽር፦

  • እንታይ መሰላት ኣለውኒ?
  • ንዓይ ኣየኖት ሕግታት ኣገደስቲ እዮም?
ናይ ብሑትነት ግዴታ

ናይ ብሑትነት ግዴታ ሓደ ሰብ ገለ ነገር ንካልእ ክነግር ኣይፍቐደሉን ማለት እዩ።

  • ሓኪምኪ እቲ ዝነገርክዮ ንካልእ ክነግር ኣይፍቐደሉን።
  • ኣማኻሪትኺ እቲ ዝነገርክያ ንካልእ ክትነግር ኣይፍቐደላን።

ጥራይ እንተተፍቕድላ ኮንኪ።
ሽዑ ሓካይምን ሰራሕተኛታት ሶሽያልን እቲ ዝነገርኪ ክሕብራ ይፍቐደለን።

ምምካር ብተለፎን

ምምካር ብተለፎን ምምካር ኣብ ተለፎን እዩ።
ናይ BIG ሆትላይን ምምካር ብተለፎን እዩ ዘውፊ።

ኣፓርታማ ዘይብለን

ነፍስወከፍ ኣፓርታማ ዘይብሎም ሰባት እዮም።
ኣብ ጽርግያ እዮም ዝነብሩ።
ወይ ኣብ ዑቕባ ንኣፓርታማ ዘይብሎም ሰባት።

መዝገበ-ቃላት

ኣብ ሓደ መዝገበ-ቃላት ከበድቲ ቃላት ክትረክብ ትኽእል።
ኣብኡ ብቐሊሉ እዮም ዝግለጹ።

ናይ ዑቕባ ኣፓርታማ

ናይ ዑቕባ ኣፓርታማታት መከላኸሊ ኣፓርታማታት እዮም።
እቲ ኣድራሻ ስቱር እዩ።
ኣብኡ ጥራይ ኣንስቲ ይቕመጣ።
ኣብኡ ሰራሕተኛታት ሶሽያል እየን ዝሰርሓ።
ኣብ ሕቶታትን ሽግራትን ክሕግዛኺ ይኽእላ።