ሓገዝ ኣብ ተለፎን

 

ኣብ BIG-ሆትላይን ክትድውሊ ትኽእሊ።

 

BIG-ሆትላይንእንታይ እዩ?

BIG ማለት፦ Berliner Initiative(ናይ በርሊን ተበግሶ) ኣንጻር Gewalt(ጐነጽ) ኣንስቲ።

ሆትላይን ካልእ ቃል ን ምምካር ተለፎን እዩ።

ኣብኡ ሓገዝ እንተዘድልየካ ክትድውል ትኽእል።

 

ዋላ ጀርመንኛ እንተየዝትዛረቢ።

ሽዑ ኣስተርጓሚት ትሕግዝ።

ንሳ ተተርጉም፦

  • እቲ ትዛረብዮ።
  • ከምኡ'ውን ካልኦት ዝብሉኪ።

ነቲ BIG-ሆትላይን ኩሉ መዓልቲ ትረኽቢ።

ኣብ ኩሉ ሰዓት።

ለይትን መዓልትን።

  • ክትድውሊ ትኽእሊ።
  • ወይ ኢመይል ክትጽሕፊ ትኽእሊ።
  • ዋላ ፋክስ ክትሰዲ ትኽእሊ።

 

ሽምክን ክትነግሪ ኣየድልየክን።
እንተ ደኣ ዘይደለኺ።

 

እቲ BIG-ሆትላይን መዓስ ክሕግዘኪ ይኽእል?

  • እንተ ዘይፈለጥክዮ፦
    ዓመጽ ድዩ?
  • ካልኦት እንተዝብሉ፦ „እዚ ደኣ ሓማቕ ዘይኮነ“
  • ኣዕሪኺ እንታይ ክትገብሪ ከምዘለኪ እንተዘይትፈልጢ።
  • እንተ ዘይፈለጥክዮ፦
    ኣበይ ሓገዝ ኣሎ?
  • ሓደ ቦታ ኣብ ሓደ ቤት-ኣንስቲ እንተደሊኺ።
    ወይ ኣብ ሓደ ናይ ዑቕባ ኣፓርታማ።
  • ኣብ ሓደ ቤት-ፍርዲ ጠለባት ክትገብሪ እንተደሊኺ።
    ንኣብነት፦
    ዓርኺ ኣብ ከባብኺ ክመጽእ መታን ከይፍቐደሉ።
    ዓርኺ ኣብ ኣፓርታማኺ ክመጽእ መታን ከይፍቐደሉ። ወይ ኣብቲ ዑቕባ/መቐመጢ።

 

ሽዑ BIG-ሆትላይን ደውልሉ።

 

ሽዑ ከመይ ክቕጽል?

እተን ሰራሕተኛታት ይመኽሩኺ።

ምኽርታትን ሓበሬታን ክህባኺ።

 

ሓንቲ ሰራሕተኛ ዋላ ምሳኺ ክትራኸብ ትኽእል።

ኣብ ሓደ ውሑስ ቦታ።

ኣብኡ ብሓንሳብ ክትሓስባሉ ትኽእላ፦

  • ኣየናይ ሓገዝ የድልየኪ?
  • ከመይ ክቕጽል?