ናይ ዑቕባ ኣፓርታማታት

ሓደ ናይ ዑቕባ ኣፓርታማእንታይ እዩ?

ኣብቲ ኣፓርታማ በይንኺ ምስ ቆልዑትኪ ክትቕመጢ ትኽእሊ።

ወይ ከኣ ብሓንሳብ ምስ ካልኦት ኣንስትን ቆልዑን ትነብሪ

ኣብ ናይ ሓባር ኣፓርታማ።

ኣብኡ ክፍሊ ንበይንኺ ክትወሃቢ ኢኺ።

እቲ ኣድራሻ ስቱር እዩ።

 

ነቲ ኣፓርታማ ክራይ ክትከፍሊ ኣለኪ።

ገንዘብ ተዘይብልኪ፦

ንሓገዝ ሕተቲ።

 

ሓንቲ ሰራሕተኛ ሶሽያል ኣብ ጠለባት ክትሕግዘኪ ትኽእል።

ወይ ከኣ ሕቶታትን ሽግራትን ተሎኪ።

እታ ሰራሕተኛ ሶሽያል ዋላ ከተሰንየኪ ትኽእል።

ንኣብነት ናብ ቤት-ፍርዲ ወይ ቤት-ጽሕፈት።

ወይ ናብ ጨናፍር ምምካር።

 

ኣብ ገለ ናይ ዑቕባ ኣፓርታማታት ወፈያታት ንቆልዑ ኣለው።

ኣብ ገለ ናይ ዑቕባ ኣፓርታማታት
ዓበይቲ ኣወዳትኪ ውን ክቕመጡ ይኽእሉ።

ዋላ ኣወዳትኪ ካብ ዕድመ 14 ንላዕሊ እንተኾኑ።

 

መዓስ ኣብ ሓደ ናይ ዑቕባ ኣፓርታማ ክትቅይሪ ትኽእሊ?

  • ኣብ ኣፓርታማኺ ክትተርፊ እንተዘይፍቐደልኪ።
  • ኣብ ሓደ ቤት-ኣንስቲ ክትቅይሪ ተዘይትኽእሊ።


ንሓደ ናይ ዑቕባ ኣፓርታማከመይ ትረኽብዮ?

  • ካብ ቤት-ጽሕፈት ናይ ዑቕባ ኣፓርታማ ክትድውሊ ትኽእሊ።
  • ወይ ከኣ ኤስ.ኤም.ኤስ. ክትሰዲ ትኽእሊ።
  • ኢመይል ክትጽሕፊ ትኽእሊ።
  • ዋላ ፋክስ ክትሰዲ ትኽእሊ።

 

ሽዑ ከመይ ክቕጽል?

ሓደ ቆጸራ ኣብ ቤት-ሕፈት ክትወሃቢ ኢኹ።

ኣብኡ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ኣፓርታማ ክትወሃቢ።

ምስተን ሰራሕተኛታት ክትዛረቢ ትኽእሊ።

እንታይ ተጓኒፉኪ ከምዝነበረ ክትነግሪ ትኽእሊ።

እንተላይ ሕቶታት ክትሓቲ ትኽእሊ።

 

ሓደሓደ ግዜ ኣብቲ ቤት-ጽሕፈት ስእሊታት
ካብቲ ናይ ዑቕባ ኣፓርታማ ክትርኢ ትኽእሊ።

ሽዑ ክትሓስብሉ ትኽእሊ።

ናብኡ ክትቅይሪ እንተደለኺ።

ናብኡ እንተትቕይሪ ኮንኪ፣
እተን ሰራሕተኛታት ኣብ ሕቶታትን ሽግራትን ክሕግዛኺ እየን።

 

ተለፎን ቁጽርታት ናይ ዑቕባ ኣፓርታማታት ኣብዚትረኽቢ።