ዘቤታዊ ዓመጽ እንታይ እዩ?

ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ መንጎ ሰባት እዩ ዝጓንፍ።

ጽቡቕ እዮም ዝፋለጡ።

ንኣብነት፥

  • ኣብ መንጎ በዓል ቤትን በዓልቲ ቤትን።
  • ኣብ መንጎ ዓርኪ ወይ መሓዛ።
  • ወይ ኣብ ስድራቤት።

ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽ ኣንስቲ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ግዳያት እየን።

ዝበዝሕ ግዜ ሰብኡት በደለኛታት እዮም።

በዓል ቤት፣ ኣላዪ፣ ኣኮ፣ ኣበሓጎ፣ ውላድ ወዲ፣
ጎረበት ወይ ዓርኪ።

በደለኛታት ዋላ ኣንስቲ ክኾና ይኽእላ።

ንኣብነት፥
መጻምዲት፣ ኣደ፣ ውላድ ጓል

ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ገዛ ብዙሕ ግዜ እዩ ዝፍጸም።

  • ኣብ ኣፓርታማ።
    ወይ ኣብ ዑቕባ።
    ወይ ኣብ ማንም ሰብ ክሪኦ ዘይክእል ቦታ።

ስለዚ ሳሕቲ ኢኻ ትግንዘቦ።

ሓደሓደ ግዜ ዘቤታዊ ዓመጽ ዋላ ኣብ ደገ ይፍጸም።

  • ኣብ ጽርግያ።
  • ወይ ኣብ ስራሕ።

 

ኩለን ኣንስቲ እዚ ዓመጽ ክጓነፈን ይከኣል።

  • ጀርመናዊት ሰበይቲ እንተኾነት'ውን ብዘየገድስ።
    ወይ ሓንቲ ሰበይቲ ካብ ካልእ ሃገር።
  • ዕድመ ናይታ ሰበይቲ ብዘየገድስ።

 

  • ምግደራ ክህልዋ ከይህልዋ ብዘየገድስ።

 

  • እታ ሰበይቲ እንታይ ከምትሰርሕ ብዘየገድስ።
    እቲ ሰበይቲ ክንደይ ከምተእቱ ብዘየገድስ።
    ወይ ሰበይቲ ገዛ እንተኾነት።