ሓገዝ ካብ ጨናፍር ምምካር

ናይ ኪኢላ ጨናፍር ምምካርን ጨናፍር ምውህሃድን

 

እዚኦም ጨናፍር ምምካር ንዘቤታዊ ዓመጽ ዝምኮራ ኣንስቲ እዮም።

እቶም ጨንፋር ምምካር ኣብዚትረኽቢ።

 

ሓደ ጨንፈር ምምካር መዓስ ክሕግዘኪ ይኽእል?

  • ክትዛረብሉ ምስደለኺ።
    እዚ ተጓኒፉኒ።
  • ዓመጽ እንተትምኮሪ።
    እንታይ ክትገብሪ ከምትኽእሊ እንተዘይፈለጥኪ።
  • ፖሊስ ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ ኣባኺ ምስ ነበረ።
    ሪፖርት ኣብ ፖሊስ ገርኪ ትኾኒ።
  • ፖሊስ ነቲ ገባሪ ኣውጺኡዎ ነሩ ዝኸውን።
  • ካብ ዓርኺ ተፈሊኺ ትኾኒ።
    ስለ ዝፈራርሓኪ ወይ ዝሃርመኪ ነሩ።
    ግና ኣብ ህድኣት ኣይገድፈክን።
    ክርብሸኪ ክቕጽል እዩ።
  • ምምካርን ሓገዝን ምስ ዘድልየኪ።
    ዋላ ንንውሕ ዝበለ ግዜ።
  • ዋላ ሓንቲ ዓመጽ እትምኮር ሰበይቲ ትፈልጢ ትኾኒ።
    ከምኡ'ውን ነታ ኣንስቲ ክትሕግዝያ ደሊኺ።
  • ሓደ ጨንፈር ምምካር ዋላ ነንስቲ ካብ ካልእ ሃገራት ይሕግዝ፦
    ዓመጽ ኣብ ገዛ ትምኮሪ ትኾኒ።
    ወይ ኣብ ሓደ መቐመጢ።
    ካብ ዓርኺ ክትፈሊ ፈሪሕኪ ኢኹ።
    ፍርሒ ኣለኪ፦
    ሽዑ ኣብ ጀርመን ክትነብሪ ከም ዘይፍቐደልኪ።

ኣብዚኦም ኩሎም ሽግራት እታ ሰራሕተኛ ጨንፈር ምምካር ክትሕግዘኪ ትኽእል።

 

እቶም ጨናፍር ምምካር ክመይ ክትረኽብዮም ትኽእሊ?

  • ኣብ ሓደ ጨንፈር ምምካር ክትድውሊ ትኽእሊ።
    ወይ ከኣ ኤስ.ኤም.ኤስ. ክትሰዲ ትኽእሊ።
  • ኢመይል ክትጽሕፊ ትኽእሊ።
  • ዋላ ፋክስ ክትሰዲ ትኽእሊ።

ሽምክን ክትነግሪ ኣየድልየክን።
እንተ ደኣ ዘይደለኺ።

 

ሽዑ ከመይ ክቕጽል?

ንሓደ ዝርርብ ቆጸራ ክትወሃቢ
ኣብ ጨንፈር ምምካር።

መሰነይታ ክትማልኢ ትኽእሊ እንተደሊኺ።

ሓደ ትኣምንዮ ሰብ።

እንተደሊኺ።

 

ሓንቲ ሰራሕተኛ ሽዑ ምሳኺ ክትዛረብ እያ፦
ብዛዕባ ሕቶታትክን ሽግራትክን።

 

ቅሩብ ጀርመንኛ እንተትዛረቢ ሓንቲ ኣስተርጓሚት ኣላ።

ንሳ ተተርጉም፦

እቲ ትዛረብዮ።

ከምኡ'ውን ካልኦት ዝብሉኪ።


እታ ሰራሕተኛ ዋላ ንኣብነት
ኣብ ቤት-ፍርዲ ወይ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ትድግፈኪ።

ሽዑ ሓገዝ እንተዘድልየኪ።

 

ኣብቲ ጨንፈር ምምካር እንተላይ ሓደ ሕጋዊ ምምካርኣሎ።
ንኣብነት ነዚኦም ሕቶታት፦

  • እንታይ መሰላት ኣለውኺ?
  • መሰል ሓላፍነት ኣብቶም ቆልዑ መን ክቕበል?
  • መሰል ጽንሓት ከመይ ድዩ?
    ካብ ካልእ ሃገር እንተ መጺኺ።
  • ከመይ ሪፖርት ኣንጻር'ቲ ገባሪ ክትገብሪ ትኽእሊ።
  • ሓንቲ ጠበቓ ተድልየኪ ዶ? ነቶም ሕግታት እትፈልጦም።
  • ኣብ ቤት-ፍርዲ ከመይ ድዩ ዝቕጽል?

 

ኣብ ሓደ ጨንፈር ምምካር ዋላ ወፈያታት ንቆልዑ ኣለው።

ኣብኡ ቆልዑ ውን ክእለዩ ይኽእሉ።

ሽዑ ብህድኣት ክዛረቡ ይኽእሉ።

 

ምክልኻል ኣንተዘድልየኪ እታ ሰራሕተኛ ውን ክትሕግዘኪ።
ምሳኺ ብሓንሳብ ሓንቲ ቤት-ኣንስቲ ክትደልዪ ትኽእላ።

ወይ ካልእ ቦታ ዑቕባ።