ዋላ ቆልዑ ምክልኻል የድልዮም

ንቆልዑትኪ ብሕልፊ ሕማቕ እዩ፦

ዓመጽ እንተተመኪሮም!

 

ገሊኦም ቆልዑ ንካልእ ሃገር ክገድፉ ነሩዎም።

ሃዲሞም እዮም።

ኣብኡ ኲናትን ዓመጽን ስለዘሎ።

ብሕይወቶም ፈሪሖም ነሮም።

ወይ ከኣ ኣብ መንገዶም ሕማቕ ነገራት ሪኦም።

 

ዓመጽ ኣብ ስድራ እንተዘሎ ቆልዑ ይግንዘቡ ውን እዮም።

 

ነቲ ዓመጽ ይርእዩን ይሰምዑን ይስማዑን እዮም።

ዕድመኦም ብዘየገድስ።

 

ብዙሕ ግዜ ዋላ ቆልዑ ግዳያት ዓመጽ እዮም።

ይህረሙ እዮም።

ወይ ከኣ ፈኸራን ፍርሕን ይምኮሩ።

ሓደሓደ ግዜ እቶም ቆልዑ ዋላ ጾታዊ ዓመጽ ይምኮሩ።

ዝኾነ ዓይነት ዓመጽ ኣዝዩ ሕማቕ ንቆልዑ እዩ።

ሽዑ ኣዝዮም ሕማቕ ኣለው።

  • ምናልባት ሕማቕ ሕልምታት ኣለዎም ከምኡ'ውን ክድቅሱ ኣይክእሉን።
  • ምናልባት ኣብ ለይቲ ኣብ ዓራት ይሸኑ ይኾኑ።         
  • ፍርሒ ኣለዎም። ወይ ከኣ እቶም ቆልዑ ይቅይሩ።
  • ገሊኦም ቆልዑ ጸጥ ዝበሉን ፍሩሓትን ክኾኑ።
  • ገሊኦም ቆልዑ ይሓርቑ ከምኡ'ውን ንካልኦት ቆልዑ ይሃርሙዎም።
  • እቶም ቆልዑ ምጽዋት ክገድፉ ይኾኑ።
  • ገሊኦም ጽቡቕ ክመሃሩ ኣይክእሉን።
  • ገሊኦም ቆልዑ ድሓር ድራግ እዮም ዝወስዱ።

ቆልዑ ካብ ዓመጽ ክሕለዉ ኣለዎም።

ኩሎም ቆልዑ ብዘይ ዓመጽ ክዓብዩ ኣለዎም።

እዚ መሰሎም እዩ።

 

ንቆልዑ ፍሉያት ናይ ሓገዝ ወፈያት ኣለው።

ንቆልዑትኪ ሓገዝ ኣምጽኢ ብኽብረትኪ።

ንኣብነት ኣብ ፖሊስ ወ ኣብ ጨንፈር ምምካር።

ወይ ኣብ ቤት-ኣንስቲ

ኣድራሳታት ኣብዚ ኢኺ ትረኽቢ።