ቤት-ኣንስቲ

እንታይ ድዩ ቤት-ኣንስቲ?

 

ዓርኺ እንተዝሃርመኪ ወይ እንተዝፈራርሐኪ፣

ናብ ሓደ ቤት-ኣንስቲ ክትከዲ ትኽእሊ።

ኣብኡ ጥራይ ኣንስቲ ይቕመጣ።

ኣብ ቤት-ኣንስቲ ኣብ ውሕስነት ኣሎኺ።

ኣብ ቤት-ኣንስቲ ቆልዑትኪ ኣብ ውሑስነት ኣለው።

እቲ ኣድራሻ ስቱር እዩ።

ስለዚ ናብ ካልእ ሰብ ክንገር ኣይፍቐድን።

ኣብኡ ውን ኣጋይሽ ክትቕበል ኣይትኽእልን።

ኣብ ቤት-ኣንስቲ ጥራይ ኣንስቲ እየን ዝሰርሓ።

 

ኣብ ኩሉ ሰዓት ናብ ቤት-ኣንስቲ ክትመጺ ትኽእሊ።

ዋላ ኣብ ለይቲ።

ኣቐዲምኪ ደውሊ።

 

ቆልዑትኪ ኣብ ቤት-ኣንስቲ ክትማልኢ ትኽእሊ።

ፍላይ ኣሎ፦

ካብ ዕድመ 12 ንላዕሊ ዘሎ ወዲ እንተ ደኣ ኣለኪ።

ሽዑ ዝስዕብ ትሓቲ፦

ንሱ ምሳኺ ኣበየናይ ቤት-ኣንስቲ ክመጽእ ይኽእል?

 

ካብ ካልእ ሃገር እንተመጺኺ።

ንስኺ ውን ናብ ቤቲ-ኣንስቲ ክትመጺ ትኽእሊ።

 

ኣስተርጐምቲ ኣለዋ።

ን ጀርመንኛ ጽቡቕ ዘይዛረባ ኣንስቲ።

ንክሰምዓ ዘይክእላ ኣንስቲ ኣተርጐምቲ
ንኣካላታዊ ቋንቋ ኣለዋ።

 

ኣብቶም ቤታት-ኣንስቲ ኣብ በርሊን ክራይ ክትከፍሊ ኣየድልየክን።

ኣብ ቤት-ኣንስቲ ከምድላይኪ

ክትቕመጢ ትኽእሊ።

 

ኣብ ቤት-ኣንስቲ ነብስኺ ባዕልኺ ክትክእሊ ኣለኪ፦

  • ባዕልኺ ትኽሸኒ።
  • ባዕልኺ ትሓጽቢ።
  • ዋላ ባዕልኺ ንቆልዑትኪ ክትሕልዊ ኣለኪ።
  • ኣብ ቤት-ኣንስቲ ኣልኮል ምስታይ ኣይፍቐድን።
    ዋላ ድራግ ምውሳድ ኣይፍቐድን።

 

ሓደሓደ ግዜ ካልኦት ብዛዕባቶም ቤታት-ኣንስቲ ይሕስዉ።

ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ቤት-ኣንስቲ ክትከይድ ኣይደልዩን።

ስለዚ ብዚሕ ግጉያት ነገራት ይነግሩ።

 

እቲ ቤት-ኣንስቲ ከመይ ክትረኽብዮ ትኽእሊ?

ኣብ ቤት-ኣንስቲ ትድውሊ።

ሽዑ ውን ሓገዝ ክትወስዲ ትኽእሊ።

እታ ሰራሕተኛ ኣብ ተለፎን መራኸቢ ቦታ ክትነግረኪ።

 

ናብኡ ክትጕዕዚ።

ሓንቲ ሰራሕተኛ ካብቲ መራኸቢ ቦታ ክትወስደኪ እያ።

ወይ ካልእ ሰበይቲ ካብቲ ቤት-ኣንስቲ።

ሽዑ ብሓንሳብ ናብ ቤት-ኣንስቲክትከዳ።

 

ቁጽርታት ተለፎን ናይ ቤታት-ኣንስቲ ኣብዚክትረኽቢ።

 

ሽዑ ከመይ ክቕጽል?

ኣብ ቤት-ኣንስቲ ኣብ ውሕስነት ኣሎኺ።

ናይ በይንኺ ክፍሊ ክትወሃቢ።

ሽዑ ህድኣት ክህልወኪ።

 

ከመይ ከምዝቕጽል ክትሓስብሉ ትኽእሊ፦

  • ኣብ ናይ ነፍስወከፍ ኣፓርታማ ክትቅይሪ ደሊኺ?
  • ኣብ ኣዛማድ ወይ ኣብ ኣዕሩኽ ክትቕመጢ ደሊኺ?
  • ካብ ሰባይኪ ክትፈሊ ደሊኺ ዶ?

 

እተን ሰራሕተኛታት ካብ ቤት-ኣንስቲ ኣብ ኩሉ ሕቶ ክሕግዛኺ፦

  • ሕይወተይ ከመይ ክቕጽል ይኽእል?
  • ከመይ ተከላኺለ?
  • ቆልዑተይ ከመይ ድዮም ተኸላኺሎም?
  • መሰላተይ ከመይ እዮም?
  • ገንዘብ ካበይ ከምጽእ?
  • ኣፓርትመንት ከመይ ገረ ክረክብ?
  • ሓገዝ ኣበይ ክቕበል እኽእል?

 

እተን ሰራሕተኛታት ዋላ ከሰንያኺ ይኽእላ።

ንኣብነት ናብ ቤት-ፍርዲ ወይ ቤት-ጽሕፈት።

ወይ ናብ ጨናፍር ምምካር።

 

1 ግዜ ኣብ ሰሙን ሓንቲ ጠበቓ ናብ ቤት-ኣንስቲትመጽእ።

እታ ጠበቓ ክትመኽረኪ ትኽእል።

እዚ ከኣ ነጻ እዩ።

 

ናብ ቆጸራ ክትከዲ እንተዘአኪ፣

ቆልዑትኪ ክእለዩ ይኽእሉ።

 

እዚኦም ወረቓቕቲ ናብ ቤት-ኣንስቲክትማልኢ ይግብኣኪ፦

  • ፓስፖርት/ኣይ.ዲ.
  • ናይ ቆልዑ ፓስፖርታት
  • ምስክራት ልደት ቆልዑትኪ
  • መረጋገጺ ደሞዝ፦
    ኣብኡ ተጻሒፉ፦ ክንደይ ገንዘብ ከምተእትዊ።
  • ን ካብ ጀርመን ዘይመጻ ኣንስቲ፦
    ፓስፖርት።
    ወይ ከኣ ዝስዕብ ዘለዎ ወረቐት፦
    ክሳብ መዓስ ኣብ ጀርመን ክትጸንሒ ከምዝፍቐደልኪ።
  • ካርታ ኢንሹራንስ ካብ ኢንሹራንስ ጥዕና።
  • ፓስፖርት ምግደራ/ስንኩላት
  • ሰነዳት ካብ ባንኪ።
  • ኣድራሻታት ኣገደስቲ ሓካይም።

 

እዚ ውን ክትማልኢ ይግብኣኪ፦

  • መድሃኒታት
  • ክዳን
  • ኣቕሑ ቤት-ትምህርቲ ንቆልዑ        
  • መጻወቲ ንቆልዑ