ኣእምሮኣዊ-ሕብረተሰባዊ-ምስናይ-ፍርዲ ከመይ ድዩ ዝሕግዝ?

ዝያዳ ሓገዝ ኣሎ ንዓኺ።

ስሙ ድማ፦ Psycho-Soziale-Prozess-Begleitung.

ሓንቲ ተሰንየኪ ሰብ እያ።

ምሳኺ ንፖሊስ ውን ትመጽእ።

እንተ ደሊኺ።

ሪፖርት መቕጻዕቲ እንተ ደኣ ትገብሪ።

 

እዚ ውን ክትገልጸልኪ'ያ፦

እዚ ድሓር ኣብ ቤት-ፍርዲ ክትገብሪ ኣለኪ።

ባይንኺ ናብ ቤት-ፍርዲ ክትከዲ ኣየድልየክን።

እታ ምስናይኪ ውን ትኸይድ እያ።

ኩሉ ግዜ ምሳኺ ክትተርፍ እያ።

እንታይ ከምተፈጸመ ክትነግሪ ከለኺ።