ቤት-ፍርድታት ከመይ ክሕግዙ ይኽእሉ?

ኣገደስቲ ሕግታት ኣንጻር ዓመጽ።

 

ዓመጽ-መከላኸሊ-ሕጊ ኣሎ።

እቲ ሕጊ ኩሎም ሰባት ካብ ዓመጽ ክሕሉ ኣለዎ።
ብፍላይ ኣንስቲ ዝበዝሕ ግዜ ዓመጽ ይምኮራ።

ስለዚ እዚ ሕጊ ብሕልፊ ኣገዳሲ ንኣንስቲ እዩ።

 

  • ዓመጽ ምእንቲ ከይምኮራ።
  • ኣብ ዓመጽ ምእንቲ ክትከላኸሊ።

ኣብ ናይ ስድራ ቤት-ፍርዲ ዝተፈላለዩ ጠለባት ክትገብሪ ትኽእሊ።

 

ካብቲ ገባሪ ውሕስቲ መታን ክትኮኒ።

እቲ ዓመጽ መታን ክግደፍ።

እዚኦም ጠለባት ንኣብነት ክትገብሪ ትኽእሊ፦

 

  • በይንኺ ኣብቲ ሓባር ኣፓርታማ ክትቕመጢ ምእንቲ ክፍቐደልኪ።
  • እቲ ገባሪ ኣብቲ ኣፓርታማ ክመጽእ ምእንቲ ከይፍቐደሉ።
  • እቲ ገባሪ ኣብቲ ዑቕባኺ ክመጽእ ምእንቲ ከይፍቐደሉ።
  • እቲ ገባሪ ኣብ ከባብኺ ክመጽእ ምእንቲ ከይፍቐደሉ።
  • ምእንቲ ክስዕበኪ ከይፍቐደሉ።

 

ሽዑ እቲ ገባሪ ክድውለልኪ ኣይፍቐደሉን።

ዋላ ኤስ.ኤም.ኤስ. ወይ ኢመይል ክጽሕፈልኪ ኣይፍቐደሉን።

 

ወይ፦ እቲ ገባሪ ብ50 ሜትሮ ክርሕቕ ኣለዎ።
ክቀርበኪ ኣይፍቐደሉን።

ኣብቲ ንስኺ ዘለኺ ክፍሊ ክመጽእ ኣይፍቐደሉን።

                                                              

እቲ ገባሪ ነዚ ዝኾነኾይኑ እንተዝገብር ኮይኑ፣

ፖሊስ ክትድውልሉ ትኽእሊ፦ 110

ፖሊስ ክሕልወኪ ይኽእል።

ነቲ ገባሪ ከልግሶ እዩ።

እቲ ፖሊስ ናይ መቕጻዕቲ ሪፖርት ክጽሕፍ'ዩ።

እቲ ገባሪ ሽዑ ክቕጻዕ እዩ።

 

ገና ዝያዳ ሕግታት ኣለው።

ንኣብነት ኣብ መጽሓፍ ሕጊ መቕጻዕቲ።

ኣብኡ ተጻሒፉ፦

ንዝተፈላለዩ ገበናት ኣየኖት መቕጻዕታት ከምዘለው።