ንፖሊስ ከመይ ክትረኽቢ ትኽእሊ?
ዓመጽ እንተትምኮሪ ፖሊስ ከተምጽኢ ትኽእሊ።
ፖሊስ እንታይ ይገብር?
ዓመጽ እንተትምኮሪ፣ ንፖሊስ ክትድውሊ ትኽእሊ።
ሽዑ ፖሊስ ክመጽእን ክሕግዘክን እዩ።
ፖሊስ ዝስዕብ ይሓተኪ፦ እንታይ ብልክዕ ተፈጺሙ?
ፖሊስ ይምርምር፦ ኣብ ድንገት ዲኺ ዘለኺ?
እቲ ገባሪ ገና ይፈራርሓኪ ዶ?
ሽዑ እቲ ፖሊስ ነቲ ገባሪ ካብቲ ኣፓርታማ ከውጽኦ ይኽእል።
ወይ ካብቲ ዑቕባ።
ሽዑ ክሳብ ክልተ ሰሙናት ክምለስ ኣይፍቐደሉን።
ክሳብ ሽዑ ኣብ ካልእ ክድቅስ ኣለዎ፦
እዚ ንሓለዋኺ እዩ።
ሽዑ ክልተ ሰሙናት ግዜ ኣለኪ።
ብህድኣት ክትሓስብሉ ትኽእሊ፦
ንቀጻሊ እንታይ ክትገብሪ ደሊኺ።
ፖሊስ ክገልጸልኪ፦
እቲ ፖሊስ ዋላ ናብ ሓደ ውሑስ ቦታ ክወስደኪ ይኽእል።
ንኣብነት ናብ ሓደ ቤት-ኣንስቲ።
እዚ እንተደሊኺ።
ከምኡ'ውን ኣብ ቤት-ኣንስቲ ዝያዳ ውሕስነት እንተዝስምዓኪ።
ኣብ ፖሊስ ሪፖርት/ምሕባር መቕጻዕቲ ክትገብሪ ትኽእሊ።
ሽዑ ፖሊስ ክምርምር እዩ።
እንታይ ድዩ ተፈጺሙ?
መን እንታይ ገሩ?
ፖሊስ ሽዑ መርትዖታት ክደሊ።
ሽዑ እቲ ገባሪ ክቕጻዕ ይኽእል።
ካብ ሓደ ቤት-ፍርዲ።
ሽዑ ምስክር ኢኹ።
እዚ ማለት፦ ኩሉ ዝተፈጸመ ነቲ ቤት-ፍርዲ ትነግርዮ።
ሓንቲ ጠበቓ ክትሕግዘኪ ትኽእል።