ናይ ኪኢላ ጨናፍር ምምካርን ጨናፍር ምውህሃድን
እዚኦም ጨናፍር ምምካር ንዘቤታዊ ዓመጽ ዝምኮራ ኣንስቲ እዮም።
እቶም ጨንፋር ምምካር ኣብዚትረኽቢ።
ሓደ ጨንፈር ምምካር መዓስ ክሕግዘኪ ይኽእል?
ፖሊስ ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ ኣባኺ ምስ ነበረ።
ስለ ዝፈራርሓኪ ወይ ዝሃርመኪ ነሩ።
ምምካርን ሓገዝን ምስ ዘድልየኪ።
ሓደ ጨንፈር ምምካር ዋላ ነንስቲ ካብ ካልእ ሃገራት ይሕግዝ፦
ኣብዚኦም ኩሎም ሽግራት እታ ሰራሕተኛ ጨንፈር ምምካር ክትሕግዘኪ ትኽእል።
እቶም ጨናፍር ምምካር ክመይ ክትረኽብዮም ትኽእሊ?
ኣብ ሓደ ጨንፈር ምምካር ክትድውሊ ትኽእሊ።
ኢመይል ክትጽሕፊ ትኽእሊ።
ሽምክን ክትነግሪ ኣየድልየክን።
እንተ ደኣ ዘይደለኺ።
ሽዑ ከመይ ክቕጽል?
ንሓደ ዝርርብ ቆጸራ ክትወሃቢ
ኣብ ጨንፈር ምምካር።
መሰነይታ ክትማልኢ ትኽእሊ እንተደሊኺ።
ሓደ ትኣምንዮ ሰብ።
እንተደሊኺ።
ሓንቲ ሰራሕተኛ ሽዑ ምሳኺ ክትዛረብ እያ፦
ብዛዕባ ሕቶታትክን ሽግራትክን።
ቅሩብ ጀርመንኛ እንተትዛረቢ ሓንቲ ኣስተርጓሚት ኣላ።
ንሳ ተተርጉም፦
እቲ ትዛረብዮ።
ከምኡ'ውን ካልኦት ዝብሉኪ።
እታ ሰራሕተኛ ዋላ ንኣብነት
ኣብ ቤት-ፍርዲ ወይ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ትድግፈኪ።
ሽዑ ሓገዝ እንተዘድልየኪ።
ኣብቲ ጨንፈር ምምካር እንተላይ ሓደ ሕጋዊ ምምካርኣሎ።
ንኣብነት ነዚኦም ሕቶታት፦
መሰል ሓላፍነት ኣብቶም ቆልዑ መን ክቕበል?
ኣብ ሓደ ጨንፈር ምምካር ዋላ ወፈያታት ንቆልዑ ኣለው።
ኣብኡ ቆልዑ ውን ክእለዩ ይኽእሉ።
ሽዑ ብህድኣት ክዛረቡ ይኽእሉ።
ምክልኻል ኣንተዘድልየኪ እታ ሰራሕተኛ ውን ክትሕግዘኪ።
ምሳኺ ብሓንሳብ ሓንቲ ቤት-ኣንስቲ ክትደልዪ ትኽእላ።
ወይ ካልእ ቦታ ዑቕባ።