ዓመጽ ካብ ባዕሉ ጠጠው ኣይብልን

ዓመጽ ካብ ባዕሉ ጠጠው ኣይብልን።

ሓደሓደ ግዜ ንቅሩብ እዋን ዝሓሸ ክኸውን እዩ።      

ሽዑ ምናልባት እቲ ዓመጽ ከምዝኸደ ትኣምኒ ትኾኒ።

ግና ዝበዝሕ ግዜ እቲ ሽግር ይተርፍ።

ሽዑ ብዙሕ ግዜ ካብ መጀመርያ እዩ ዝድገም።

ስለዚ ዙርያ ዓመጽ እዩ ዝብሃል።

 

እዚ ንኣብነት ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል፦

  • ዓርክኺ ይፈራርሓኪ።
    እናደጋገመ ይሃርመኪ።
    ብእኡ ዓርክኺ ሕያልን ጽቡቕን ይስምዖ።
    ግና ንስኺ ሕማቕ ኣሎኹ።
  • ሽዑ ምናልባት ዓርክኺ ክድንግጽ ይኸውን።
    ይቕረታ ክብለኪ እዩ።
    ብፍጹም ከምዘይሃርመኪ ይመባጽዓኪ።
  • ህያባት ክገብረልኪ።
  • ሽዑ ዝሓሸ ይስምዓኪ።
    ዓርክኽን ንስኽን ሽዑ ጽቡቕ ኢኹም ትረዳድኡ።
    ከምብሓድሽ ኣብ ፍቕሪ ኣቲኺ ትኾኒ።
  • ግን ድሓር መሊሹ ይጅምር።
    እቲ ሽግር ይተርፍ።
    ዓርክኺ ይፈራርሓኪ።
    እንደገና ፍርሒ ኣለኪ።
    እቲ ዓመጽ ኩሉ ግዜ ክገድድ ይኽእል።

 

ከነተባብዐኪ ንደሊ።

ብዙሓት ኣንስቲ ይሓፍራ።

እቲ ሰብኣይ ብሕማቕ ስለዝሕዛ እዩ።

ጎነጻዊ ስለዝኾነ።

ከምኡ'ውን በደለኛ ከምዝኾንኪ ስለትሓስቢ።

 

ገሊኦም ኣንስቲ ፍርሒ ኣለወን።

እዚ ንኣብነት ንነብሰን ይሓታ፦

  • መን ክሕግዘኒ?
  • ቆልዑተይ ክስእን ዶ?
  • ብዘይ ሰብኣየይ ክነብር እኽእል ዶ?
  • ገንዘብ ካበይ ክቕበል?

ስለዚ ብዙሓት ኣንስቲ ሓገዝ ኣይደልያን እየን።

ብዛዕባ ጎነጽ ኣብ ገዛ ኣይዛርባን እየን።

ከምኡ'ውን መህሰይታተን ይሓብኣ።

 

ከነተባብዐኪ ንደሊ።

ክትሓፍሪ ኣይግብኣክን።

ንስኺ ውን በደለኛ ኣብቲ ዓመጽ ኣይኮንክን።

እቲ ገባሪ በደለኛ እዩ።

 

ሓገዝ ድለዪ ኢኺ ብኽብረትኪ።

ከምኡ'ውን ሓገዝ ንቆልዑትኪ ድለዪ።

 

ከምኡ'ውን ብዛዕባ ዓመጽ ተዛረቢ ኢኺ።

ዓመጽ ምስጢር ኣይኮነን።

ዓመጽ ዋላ ግላዊ ኣይኮነን።

 

ምናልባት ክትፈሊ ደሊኺ።

በይንኺ ክትነብሪ።

ወይ በይንኺ ምስ ቆልዑትኪ።

ሽዑ ሓገዝ ኣሎ።