ኣብ ብዙሓት ዕርክነታት ዓመጽ ኣሎ።
እዚ ዓመጽ'ዚ ዘቤታዊ ዓመጽ እዩ ዝብሃል።
ዘቤታዊ ዓመጽ ንኣብነት ዝስዕብ እዩ፦
ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተዝሃርማ።
ብዙሓት ኣንስቲ ዘቤታዊ ዓመጽ ይምኮራ እየን።
ዓመጽ ግና ክልኩል እዩ።
ማንም ሰብ ንሰበይቲ ክሃርማ ኣይፍቐድን።
ማንም ሰብ ንሰበይቲ ክፈራርሓ ኣይፍቐድን።
ማንም ሰብ ንሰበይቲ ክጸርፋ ኣይፍቐድን።
ንኩለን ኣንስቲ ከነተባብዐን ኢና ንደሊ።
ዋላ ንዓኺ ከነተባብዐኪ ንደሊ።
እዚ ክትፈልጢ ይግብኣኪ፦
ብዛዕባ ሕይወትኪ ባዕልኺ ትውስኒ። ሓገዝ ኣምጽኢ ኢኺ!
ሓገዝ ኣበይ ከምትረኽቢ ኣብ ኣድራሻታት ተጻሒፉ።።
ኣገዳሲ ሓበሬታ ንምንባብ፦
እዚ ገጽ'ዚ ኣብ ቀሊል ቋንቋ ተጻሒፉ።
ሽሕ'ኳ ገሊኦም ከበድቲ ቃላት ገና ኣብቲ ጽሑፍ ይርከቡ።
እዚኦም ቃላት ብሮጊድን ቀይሕን እዮም።
ኣብ መጽሓፍ መዝገበ-ቃላት እዮም ተገሊጾም።
ኣብቲ ቃል ጠውቒ ኢኺ።
ብኸምኡ ናብ መዝገበ-ቃላትኢኻ ትመጽእ።