ሓገዝ ኣብ ዓመጽ

ብዙሓት ሓገዝ ክትቕበሊ እትኽእሊ ጨንፈራት ኣለው።

  • ኣብ ተለፎን።
  • ኣብ ሓደ ጨንፈር ምምካር።
  • ኣብ ሓደ ቤት-ኣንስቲ።
  • ኣብ ሓደ መከላኸሊ ኣፓርታማ።
    እቲ ኣድራሻ ስቱር እዩ።
    ከምዚ ዓይነት ኣፓርታማ ናይ ዑቕባ ኣፓርታማይብሃል።

 

ኣብ ኩሉ ክትነግሪ ትኽእሊ፦

እዚ ተፈጺሙ።

ክንደይ ከምትነግሪ ባዕልኺ ትውስኒ።

 

እተን መሳርሕታት ንካልእ ክነግራ ኣይፍቐደለንን።

እዚ ናይ ብሑትነት ግዴታይብሃል።

እንታይ ከምትገብሪ ንስኺ ትውስኒ።

እተን መሳርሕታት ሽዑ ይሕግዛኺ።