እንታይ ዓይነት ዘቤታዊ ዓመጽ ኣሎ?

እንታይ ዓይነት ዘቤታዊ ዓመጽ ኣሎ?

ብዙሓት፣ ዓመጽ ንኣካላት ከምዝጎድእ ይሓስቡ።

ግና ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ዘቤታዊ ዓመጽ ኣሎ።

ዝኾነ ዓይነት ዓመጽ ንኣካላት ይጎድእ እዩ።

ወይ ንነፍሲ።

 

ኣካላታዊ ዓመጽ፦

  • ገለ ሰብ እንተዝሃርማ ኮይኑ።
  • ገለ ሰብ እንተዝደፍኣ ወይ ዝረግጻ ኮይኑ።
  • ገለ ሰብ እንተዝዓብሳ
    ከተተንፍሲ ሽዑ እንተዘይትኽእሊ።

ነፍሳዊ ዓመጽ፦

  • ገለ ሰብ እንተዝጸርፋ ኮይኑ።
  • ገለ ሰብ መን ክትረኽቢ ከምዝፍቐደልኪ እንተዝውስን ኮይኑ።
  • ገለ ሰብ ከመይ ክትክደኒ ከምዘለኪ እንተዝውስን ኮይኑ።
  • ገለ ሰብ እንተዝፈርሓኪ ኮይኑ
  • ወይ ዝፈራርሓኪ፦
    ቆልዑትኪ ንክወስደልኪ።
    ንክጎድኣኪ።
    ንከውጽኣኪ።
    ካብቲ ገዛ። ዋላ ውን ካብቲ ሃገር።

ጾታዊ ዓመጽ፦

  • ገለ ሰብ ከይደለኺ ከለኺ እንተዝትንክፈኪ።
  • ካልእ ሰብ ክትትንክፊ እንተተኣዚዝኪ
    ንስኺ ግን ከይደለኽዮ።
  • ስእለ ጽዩፍ/ስጋዊ ርክብ ንክትርኢ ብገለ ሰብ እንተተገዲድኪ።
  • ምግሳስ፦
    ገለ ሰብ ከይደለኺ ከለኺ ምሳኺ ስጋዊ ርክብ እንተዝገብር።
    ከምኡ'ውን "ኣይደልን'የ" ኢልኪ።

ምግላል፦

  • ገለ ሰብ እንተዝዓጽወኪ።
  • በይንኺ ክትወጽኢ እንተዘይፍቐደልኪ።
  • ክትድውሊ እንተዘይፍቐደልኪ።
  • ምስ ካልኦት ሰባት ክትዛረቢ እንተዘይፍቐደልኪ።

እዚ እንተላይ ዓመጽ እዩ፦

  • ክትሰርሒ እንተዘይፍቐደልኪ።
  • ገለ ሰብ ገንዘብ እንተዝወስደልኪ ኮይኑ።
  • ናብ ስልጠና ቋንቋ ክትከዲ እንተዘይፍቐደልኪ።
  • ንሓንቲ ሰበይቲ እንተተፍቅርያ ኮንኪ።
    ስድራኺ ግን ዝከልኦ።
  • ንገለ ከይፈተኽዮ ሰብ ክትምርዓዊ እንተዘለኪ።

 

ዝኾነ ዓመጽ ኣዝዩ ጎዳኢ እዩ።

ኣካላትኪ ካብኡ ክሓምም ይኽእል።

ወይ ነፍስኺ።

  • ድቃስ ኣብዩኪ።
  • ብዙሕ ግዜ ርእስኺ ይሕመኪ።
    ወይ ቃንዛ ልቢ።
    ወይ ቅርጸት።
  • ብዙሕ ግዜ ትጉሂ።
  • ክትነብሪ ኣይደለኽን።
  • ንነፍስኺ ትጎድኢ።

ሽዑ ሓገዝ ክትደልዪ ኣለኪ።

እዚ ኣገዳሲ እዩ።

ዓመጽ ካብ ባዕሉ ጠጠው ኣይብልን።

ብዙሕ ግዜ እናገደደ ክኸውን።

ግና ገለ ኣንጻሩ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ!

ንካልኦት ሰባት ብዛዕባኡ ንገሪ ኢኺ።

ንኣብነት፥

  • ምስ ሓደ ትኣምንዮ ሰብ ተዛረቢ ኢኺ።
    ምስ ሓንቲ መሓዛኺ ብዛዕባኡ ተዛረቢ።
    ወይ ምስ ሓንቲ መሳርሕቲ።
    ንሓንቲ ሰራሕተኛ ሶሽያል ኣብቲ መቐመጢ ተዛረብያ ኢኺ።
  • ናብ ፖሊስ ኪዲ።
  • ከምኡ'ውን ኣብ ሓደ ጨንፈር ምምካር።